ብሎግ

ናይ ዓለምና ናይ መጀመርታ ፍቓድ መዘወሪ መኪና

ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ ፍቓድ ምዝዋር መኪና ንካርል ቤንዝ ኣብ 1888 ተዋሂቡ።

ካርል ቤንዝ መሃዚ ናይዛ ዘመናዊት መኪና ኮይኑ ንሱ ባዕሉ ካብ ዱክ ባደን መኪና ንምዝዋር ብጽሑፍ ፍቓድ ኣመልኪቱ። መኪና ክዝውር ፍቓድ (ፍቓድ መዘወሪ መኪና) ዝሓተተሉ ምኽንያት፡ መኪንኡ ዘፍርዮ ዝነበረ ድምጺ ወይ ትኪ ካብ ጎረባብቲ ዝቐረበ ጥርዓን እዩ።

ቀዳመይቲ ግዴታዊ ፈተና / ፈተነ ዘተኣታተወት ሃገር ፕሩስያ (ጀርመን) ኣብ 1903 ኮይና እቲ ፈተና / ክልሰ-ሓሳብ ፈተና መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ቴክኒካዊ ፍልጠት ናይ ስቲም ተሽከርከርቲ ኮይኑ እተን ቀዳሞት ተሽከርከርቲ ብስቲም ዝዝወር ኮይነን ኣብቲ እዋን ድማ ኣዝዩ ውሑድ ሕግታት ትራፊክ ዝነበረን እዩ።

ኣብ 1910 ሓያሎ ሕግታት ነይሮም፡ ከም ፍቓድ መዘወሪ መኪና ክትረክብ ወዲ 18 ዓመት ክትከውን ኣለካ፡ ከምኡ’ውን ብትምህርቲ (ክልሰ-ሓሳብን ተግባራዊ ትምህርትን) ሓሊፍካ ናይ ክልሰ-ሓሳብ ፈተና ክትሓልፍ ኣለካ።

ቤልጅየም ኣብ 1977 ፍቓድ መዘወሪ መኪና ከም ግዴታ ዝተኣታተወላ ናይ መወዳእታ ሃገር እያ ነይራ።

ክሳብ 1977 ኣብ ቤልጅየም ትምህርቲ ክልሰ-ሓሳብ ምህላው ኣድላዪ ኣይነበረን ትምህርቲ ምዝዋር መኪናን ፈተና ክልሰ-ሓሳብን እውን ግዴታ ኣይነበረን።

Vi bruger cookies til indsamling af statistik og til trafikmåling. Vi bruger informationen til forbedring af hjemmesiden. Ved at klikke videre, accepterer du brugen af cookies.